ሓዳሽ ፓስፖርት ንዝሓትት / New Passport

  • ቅጺ መሕተቲ ፓስፖርት ንምምላእ ኣብ ኤምባሲ ብኣካል ምቕራብ
  • ኤርትራዊ ወረቐት መንነት ኦርጂናልን ምስ ክልተ ቅዳሕ
  • ብምኽንያት መርዓን ካልእን ምኽንያት ዝነበረ ስም፡ ዕለተ ልደት፡ ቦታ ልደት ክቕየር ምስ ዝድለ፡ እቲ ዝቕየር ብቤት ፍርዲ ምስ ጸደቐን ኣብ ቆንስላዊ ጉዳያት ምስተረጋገጸን መበቆል (ኦርጅናል) ምስ ቀረበ ጥራይ ይኸውን
  • ክልተ (2) ስእሊ 35×45 (ድሕረ ባይታ ጻዕዳ ኣብ ስትድዮ)
  • ስእሊ ምስ መነጸር ዓይኒ ምስ ዝኸውን፡ መነጸር ብሓኪም ከም ዝተኣዘዘ ዘረጋግጽ ሕክምና ወረቐት ምቕራብ የድሊ። እቲ ስእሊ ብንጹር ንዓይኒ ዘርኢ ክኸውን ኣለዎ
  • ምስክር ወረቀት ነባርነት Person Bevis ካብ Skatteverket / Tax office/
  • ህልው ኦርጂናል ፓስፖርት ምስ ቕዳሕ
  • ዝተማልአ ግቡኣት መሕወይ ግብሪ/ Clearances

መዓልቱ ዝኣኸለ (ዝወደቐ) ፓስፖርት መተካእታ/ Expired Passport

  • ቅጺ መሕተቲ ፓስፖርት ንምምላእ ኣብ ኤምባሲ ብኣካል ምቕራብ
  • ተዋሂቡ ዝጸነሐ ፓስፖርትን ምስ ክልተ ቅዳሕን
  • ኤርትራዊ ወረቐት መንነት ክልተ ቅዳሕ
  • ብምኽንያት መርዓን ካልእ ምኽንያታት ዝነበረ ስም፡ ዕለተ ልደት፡ ቦታ ልደት ክቕየር ምስ ዝድለ፡ እቲ ዝቕየር ብቤትፍርዲ ምስ ጸደቐን ኣብ ቆንስላዊ ጉዳያት ምስ ተረጋገጸን መበቆል (ኦርጅናል) ምስ ቀረበ ጥራይ ይኸውን
  • ክልተ (2) ስእሊ 35×45 (ኣብ ስትዲዮ ኮይኑ ድሕረ ባይታ ጻዕዳ)
  • ስእሊ ምስ መነጸር ዓይኒ ምስ ዝኸውን፡ መነጸር ብሓኪም ከም ዝተኣዘዘ ዘረጋግጽ ሕክምና ወረቐት ምቕራብ የድሊ። እቲ ስእሊ ብንጹር ንዓይኒ ዘርኢ ክኸውን ኣለዎ
  • ምስክር ወረቀት ነባርነት ኣብ ስካንዲነቪያ Person Bevis ካብ Skatteverket /Tax office/
  • ኦሪጂናል ፓስፖርት ናይ ካልእ ሃገር ምስ ዝህልው ምስ ክልተ ቅዳሕን
  • ፓስፖርት ኤርትራ ኣቐዲሞም ሒዞም ንዝጸንሑ ንኹሉ ዜጋ (ዕድመ ብዘየገድስ)
  • ዝተማልአ ግቡኣት መሕወይ ግብሪ/ Clearances
  • ፓስፖርት ቅድሚ ዓመት ምውዳቁ ኣብ ኤምባሲ ቀሪቡ ከመልክት ይግባእ

ዝጠፈአን ዝተባላሸወ ፓስፖርት መተካእታ ዝሓትት / Lost & Damage

  • ፓስፖርት ከምዝጠፈአ ዘረጋግጽ ካብ ዝምልከቶ ኣካል ማለት ፖሊስ /ምምሕዳር መረጋገጺ ወረቀት
  • ኣብ ኤምባሲ ብኣካል ብምቅራብ ቅጺ መሕተቲ ፓስፖርት ምምላእ
  • ቅዳሕ ተዋሂቡ ዝጸነሐ ፓስፖርት
  • ኤርትራዊ ወረቐት መንነት ምስ ቅዳሕ
  • ብምኽንያት መርዓን ካልእ ምኽንያታት ዝነበረ ስም፡ ዕለተ ልደት፡ ቦታ ልደት ክቕየር ምስ ዝድለ፡ እቲ ዝቕየር ብቤትፍርዲ ምስ ጸደቐን ኣብ ቆንስላዊ ጉዳያት ምስ ተረጋገጸን መበቆል (ኦርጅናል) ምስ ቀረበ ጥራይ ይኸውን
  • ክልተ (2) ስእሊ 35×45 (ናይ ስትዲዮ ኮይኑ ድሕረ ባይታ ጻዕዳ)
  • ስእሊ ምስ መነጸር ዓይኒ ምስ ዝኸውን፡ መነጸር ብሓኪም ከም ዝተኣዘዘ ዘረጋግጽ ናይ ሕክምና ወረቐት ምቕራብ የድሊ። እቲ ስእሊ ብንጹር ንዓይኒ ዘርኢ ክኸውን ኣለዎ
  • ምስክር ወረቀት ነባርነት ኣብ ስካንዲነቪያ Person Bevis ካብ Skatteverket /Tax office/

ቁጽሪ ሕሳብ ባንክ ኤምባሲ ሃገረ ኤርትራ