ተልእኾ ቆንስላዊ ጉዳያት

ቆንስላዊ ጉዳያት ኣብ ዉሽጢ ኤርትራን ኣብ ወጻኢ ዝርከባ ሚሽናት፡ ጹፉፍን ስሉጥን ቆንስላዊ ኣገልግሎት ንምሃብ ዝተመዘዘ ኣካል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ እዩ።

ጨንፈር ቆንስላዊ ጉዳያት ኢምግረሽናውን ምምሕዳራውን ህዝባውን ኣገልግሎት ዝህብ፡ ትካላት መንግስቲ ዘውጽኦ መምርሒታትን ቅጥዕታትን ኣዋጃትን ብምዉህሃድ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝነጥፍ እዩ።

ቀንዲ ዕላማታት (object)

  • ስሉጥ ቆንስላዊ ኣገልግሎት ምብርካት
  • ናይ ህዝቢ ዉዳበን ኣበርክቶን ንልምዓት ሃገር ምሕያል
  • መሰላት ረብሓታት ኤርትራዉያን ኣብ ወጻኢ ምሕላው
  • ናይ ህዝብታት ምሕዝነት ምዕዛዝን፡ ንግዳውን ወፍራውን ባህልውን ሽርክነት ምዕባይን
  • ኣብ ሃገራዊ ሓድነትን ልኡላዉነትን ልዑል ኣበርክቶ ምግባር
  • እወታዊ ስእሊ ኤርትራ ምንጽብራቅ
ሕጊ ግቡኣት መሰል

ኤምባሲ ሃገረ ኤርትራ ስቶክሆልም ኣብ ስካንዲነቪያን ዝነብሩ ኤርትራውያን ስሉጥ ቆንስላዊ ኣገልግሎት ንምሃብ ኣብ ምጽዓር ይርከብ። ምስ ዘሎ ብዝሒ ተገልገልቲ፡ ስሉጥን ጽፉፍን ኣገልግሎት ክትረኽቡን፡ ከይተመላለስኩም ጉዳይኩም ክትውድኡን ምእንቲ፡ ነዞም ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሮም ዘሎዉ ዓይነት ኣገልግሎታት ብዝግባእ ክትርድኡን፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ እትሓትዎ ኣገልግሎት ዘድሊ ሰነዳትኩም ሒዝኩም ክትቐርቡን ብጥብቂ ነዘኻኽር።